August 24, 2021

ፕረዚደንት ተርኪ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ከሸማግል ሓሳብ ኣቕሪቡ ዶ?

HAQCHECK

ሓቂቼክ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ፌስቡክ ዘሎ ኣርእስቲን ኣብቲ ወብሳይት ዘሎ ትሕዝቶን ኣርእስቲን ናይቲ ዓንቀፅ ርክብ ከምዘይብሉ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም መደናገሪ ኣርእስቲ ኢልዎ ኣሎ።

Avatar: Hagos Gebreamlak
By Hagos Gebreamlak

A fact-checker at HaqCheck, he has worked for Fortune as a reporter previously.

ፕረዚደንት ተርኪ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ከሸማግል ሓሳብ ኣቕሪቡ ዶ?

ኣልጀዚራ ኢንግሊሽ ብ19 ነሓሰ 2021 ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገፁ ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ደው ንምባል ከሸማግል ሓሳብ ኣቕሪቡ' ዝብል ዘርእስታ ዓንቀፅ ሓቲሙ ኔሩ።

እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም "ፕረዚደንት ቱርኪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ ተራኺቡ እንተዀነ ግን ፍሉይ ስምምዓት ወይ ውዕላት ኣይተገልፀን" ምስ ዝብል ሓፂር ፅሑፍ ተሰንዩ ቀሪቡ። ነቲ ሕታም ልዕሊ 437 ተጠቀምቲ ፌስቡክ ተቀባቢሎሞን፣ ኣስታት 3,000 ኸኣ ግብረመልሲ ሂቦምዎን እዮም።

ሓቂቼክ ነቲ ኣብቲ ወብሳይት ዘሎ ትሕዝቶ ናይቲ ዓንቀፅ ድሕሪ ምምርማሩ፤ ‘ፕረዚደንት ቱርኪ ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ደው ንምባል ከሸማግል ሓሳብ ኣቕሪቡ’ ዝብል ትሕዝቶ ከምዘይብሉ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ስለዚ ሓቂቼክ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ፌስቡክ ዘሎ ኣርእስቲን ኣብቲ ወብሳይት ዘሎ ትሕዝቶን ኣርእስቲን ናይቲ ዓንቀፅ ርክብ ከምዘይብሉ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም መደናገሪ ኣርእስቲ ኢልዎ ኣሎ።

 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብ18 ነሓሰ 2021 ናብ ቱርኪ ኣንካራ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብፃሕ ገይሩ ነይሩ። ምስ ብፃዩ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን’ውን ብዛዕባ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘትዩ እዩ።

ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወታደራዊ ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ኸምዚድግፍ ገለፁ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነቲ ኣብ ኣልፋሽቓ ኣብ ሕርሻዊ መሬት ዝካየድ ዘሎ ናይ ዶብ ግጭት ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከሸማግል ፍቓደኛ ምዃኑ’ውን ገሊፁ ነይሩ።

ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኣንካራራ ዝገበሮ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብእተተሓሓዘ ኣል ዓራቢያ ኢንግሊሽ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ትግራይ እተላዕለ ግጭት ደው ንምባል ከሸማግል ከም ዝሓተተ እትገልጽ ዓንቀጽ ዜና ኣሕቲሙ ነይሩ።

ድሕር’ዚ እዩ እምበኣር ኣልጃዚራ "ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ከሸማግል ሓሳብ ኣቕሪቡ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዓንቀፅ ኣብ ፌስቡክ ዝጠቀዐ

ምስሊ: እቲ ኣብ ወብሳይት ዝተሓትመ ዓንቀፅ

ይኹን እምበር እታ ኣብቲ ወብሳይት ዝተሓተመት ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ ‘ፕረዚደንት ቱርኪ ነቲ ኣብ ትግራይ እተላዕለ ግጭት ንምፍታሕ ከሸማግል ሓሳብ ከምዘቅረበ’ ዋላ ሓንቲ ኣይትገልጽን እያ። እታ ኣብቲ ወብሳይት ዘላ ዓንቀጽ ካብቲ ኣብ ፌስቡክ ዝተጠቀዐት ዓንቀፅ ብኣርእስታን ትሕዝቶን እተፈልየት እያ። ኣርእስቲ ናይታ ኣብ ወብሳይት ዝወጸት ዓንቀጽ "ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ደጊፉ" እያ ትብል። ኣስዒቡ ኤርዶጋን ከምዚ ይብል "...ነቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ዘመዛበለን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ናብ ጥምየት ከቃለዐን ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ደጊፉ።” ብተወሳኪ’ውን እቲ ዜና ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን እተላዕለ ውጥጥ ንምፍታሕ ከሸማግል ፍቓደኛ ምዃኑ ከምዝገለፀ ትሕብር።

ምስሊ: ኣሶሼትድ ፕረስ

ስለዚ ሓቂቼክ ኣብ መንጎ እታ ኣብ ፌስቡክ እተጠቀዐት ዓንቀጽን እታ ኣብ ዌብሳይት እተሓትመት ዓንቀጽን ናይ ኣርእስቲን ትሕዝቶን ኣፈላላይ ስለዘለወን ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም መደናገሪ ኣርእስቲ ኢልዎ ኣሎ።