October 27, 2021

ምዝገባ ሎተሪ ቪዛ ኖርወይ ኣሎ ዶ?

HAQCHECK

ሓቂቸክ ነቲ ጕዳይ ንምንጻር ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ንጉሳዊ ኤምባሲ ኖርወይ እውን ተወኪሱ እዩ።

Avatar: Hagos Gebreamlak
By Hagos Gebreamlak

A fact-checker at HaqCheck, he has worked for Fortune as a reporter previously.

By Rehobot Ayalew

Rehobot is a lead fact-checker at HaqCheck. She is a trainer and a professional who works in fact-checking and media literacy.

ምዝገባ ሎተሪ ቪዛ ኖርወይ ኣሎ ዶ?

ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ 45,000 ሰባት ዝቐረበ "ቅጥዒ ምዝገባ ሎተሪ ቪዛ ኖርወይ" ዝብል መልእኽቲ ኣብ ቴለግራም ተዘርጊሑ ኔሩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ እተፃሕፈትሉ እዋን ልዕሊ 300 ኣንበብቲ ነዚ መልእኽቲ እዚ ርእዮምዎ ኔሮም።

እቲ ኣብቲ መልእኽቲ ዘሎ መላግቦ "ዳይረክቶሬት ስደተኛታት ኖርወይ" ናብ ዝብል መትረብ ቴሌግራም ይመርሕ። እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ወብሳይት ከም ኣድራሻ፣ ኢ-መይል፣ ፓስዎርድ፣ ከምኡውን ካልእ ተመሳሳሊ ውልቃዊ ሓበሬታ ዚእክብ መመዝገቢ ቅጥዒ ኣለዎ።

እቲ ብ1955 ዝጀመረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ብዙሕነት ሎተሪ ቪዛ (ዲቪ) ኣብ ዓመት 55,000 ሰባት ቪዛ ይህብ። ናይ 2023 ሎተሪ ቪዛ (DV-2023) ካብ 6 ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ተኸፊቱ ኣሎ። እቲ ብኢንተርነት ጥራይ ዚርከብ መመዝገቢ ቅጥዒ ሎተሪ ቪሳ ክሳዕ 9 ሕዳር 2021 ኽፉት ኰይኑ ክፀንሕ እዩ።

ብ14 ጥቅምቲ 2021 እቲ ኣብ ኣክራ፡ ጋና ዝርከብ ኤምባሲ ኖርወይ ከምዚ ዝብል ናይ ምትላል መጠንቀቕታ ኣፍሊጡ ኔሩ፦ "በጃኹም እቲ ናብ ወብሳይት ዘምርሕ መላግቦ ዘለዎ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ምትላል መልእኽቲ ምዃኑ ፍለጡ። እቲ ዚለኣኽ መልእኽቲ ነቲ ኣብ ኖርወይ ዚርከብ ዝተብሃለ ሎተሪ ቪዛ ናይ ምዝገባ ቅጥዒ ኣምሲሉ ክትምዝገቡ ዝሕብር እዩ። እቲ መልእኽትን እቲ ቅጥዒ ምዝገባን ናይ ኣታላል እዩ፣ ምስ ዝዀነ ይኹን ወግዓዊ ናይ ቪዛ ምዝገባ ወይ ኣሰራርሓ ዋላ ሓንቲ ርክብ የብሉን።" እቲ መግለጺ "ከምዚ ዝኣመሰለ ሎተሪ የለን" ብምባል የጠንቅቕ።

ሓቂቸክ ነቲ ጕዳይ ንምንጻር ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ንጉሳዊ ኤምባሲ ኖርወይ እውን ተወኪሱ እዩ። እቲ ቆንስላዊ ኽፍሊ ናይቲ ኤምባሲ ብኢ-መይል ኣቢሉ "ኖርወይ ሎተሪ ቪዛ የብላን" ኢሉ ኣረጋጊፁልና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ክፍሊ ቪዛ እቲ ኤምባሲ ኖርወይ ካብ 1 ነሓሰ 2019 ስለ ዝዓጸወ ናብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ኤምባሲ ኖርወይ ሕቶታት ተላኢኹ ኣሎ።

ዋላ’ኳ ከም ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሃገራት ንስደተኛታት ሕጋዊ ናይ ቪዛ ዕድላት ዝህባ እንተዀና ኖርወይ ግን ሎተሪ ቪዛ እይትህብን።

ስለዚ እቲ መልእኽቲ ቴለግራም ሓሶት ምዃኑ ተረጋጊፁ፤ ብተወሳኺ’ውን ውልቃዊ ሓበሬታ ንምእካብ ዝዓለመ ናይ ኣታላል መልእኽቲ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።