September 22, 2021

ሓሶት፡ እዚ ቪድዮ ኣብ ዓፋር ዝተገብረ ወታደራዊ ስርሒት ኣየርእን

HAQCHECK

ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

Avatar: Hagos Gebreamlak
By Hagos Gebreamlak

A fact-checker at HaqCheck, he has worked for Fortune as a reporter previously.

By Rehobot Ayalew

Rehobot is a lead fact-checker at HaqCheck. She is a trainer and a professional who works in fact-checking and media literacy.

ሓሶት፡ እዚ ቪድዮ ኣብ ዓፋር ዝተገብረ ወታደራዊ ስርሒት ኣየርእን

ካብ 17 መስከረም ኣትሒዙ 35,000 ሰዓብቲ ብዘለውዎ ገፅ ኣብ ፌስቡክ እተዘርግሐ ቪድዮ ልዕሊ "ጀጋኑ ዓፋርን ሓይሊ ምክልኻልን ንህወሓት ከሳጕጉ ዘርኢ ቪድዮ ተቐቢልና።" ኢሉ ነይሩ። እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ክሳዕ እዚ ዓንቀፅ እተሓትመሉ እዋን ልዕሊ 3፣800 ሳዕ ተዘዋዊሩ እዩ።

ይኹን እምበር እታ ኣብ ፌስቡክ እተዘገሐት ቪድዮ ነቲ ኣብ ግንባር ዓፋር ተገይሩ ዝተብሃለ ወታደራዊ ስርሒት ኣይተርእን እያ፤ ስለዚ’ውን እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ብዕለት 4 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኣብ መንጎ ሓይሊታት ህወሓትን ፌደራላዊ መንግስቲን ዕጥቃዊ ጎንፂ ኣሎ። እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝመርሖም ሓይልታት መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ዋላኳ ተቖፃፂሮም እንተፀንሑ ናይ ድብያ ውግኣት ክረኣዩ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ በይነኣዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ሕቶ ምስቀረበሉ ሽዑንሽዑ ሰራዊቱ ኻብ ቀንዲ ቦታታት ትግራይ ኣልጊሱ እዩ።

እቶም ፈደራላዊ ሓይልታት ካብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ምስወፁ ንገዛእ ርእሶም ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝፅውዑ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኸባቢታት ክቆፃፀርዎ ክኢሎም እዮም።

ካብ ሽዑ ንደሓር ሓይሊታት ህወሓት ካብ ማእከል ትግራይ ብምውፃእ ናብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ገፆም ብምጉዓ ወታደራዊ ስርሒት ይፍፅሙ ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ጥቓ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ካቢቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ወታደራዊ ግጭት ከምዝነበረ ዝሕብሩ ፀብፃባት ክወፁ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ መንጎ እዚ ዅነታት እዩ እምበኣር እዚ ቪድዮ ዝተዘርገሐ።

ይኹን እምበር ኣብታ ቪድዮ እተረኽቡ ስእልታት እቲ ቪድዮ ኻብ ኢትዮጵያ ኸም ዘይኰነን ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍፃመ ኸምዘየርእን ተረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ቪድዮ ብ29 ግንቦት ኣብ መንጎ እቶም ስዑድያ ዝመርሖም ሰራዊትን ሓይልታት የመንን ኣብ ዶባት የመንን ስዑድያን እትርከብ ከባቢ ጂዛን ዝገበርዎ ውግእ ዘርኢ እዩ።

እቲ ፈላማይ ቪድዮ

ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ትንተና ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ህወሓት ንምስጓግ ኣብ ግንባር ዓፋር ወታደራዊ ስርሒት ከምእተገብረ ዝሕብር ናይ ፌቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።