September 24, 2021

ሓሶት፡ እዚ ስእሊ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዕዮ ከሎ ኣየርእን

HAQCHECK

ሓቂቼክ ንተኣማንነት እቲ ምስልታት ድሕሪ ምምርማሩ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Avatar: Hagos Gebreamlak
By Hagos Gebreamlak

A fact-checker at HaqCheck, he has worked for Fortune as a reporter previously.

By Kirubel Tesfaye

Kirubel works as a fact-checker at Addis Zeybe for HaqCheck. He is interested in learning and expanding his writing and journalistic skills.

ሓሶት፡ እዚ ስእሊ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዕዮ ከሎ ኣየርእን

ልዕሊ 100 ሽሕ ዝዀኑ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገፅ "ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ስጕምቲ ይወስድ ኣሎ" ዚብል መግለፂ ዝሓዘ ኽልተ ተመሳሳሊ ስእልታት ብ12 መስከረም ጠቂዑ ነይሩ።

እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም እዚ ዓንቀፅ ኽሳዕ ዝሕተም ልዕሊ 163 ሳዕ ተዘርጊሑ ነይሩ።

ይኹን እምበር ሓቂቼክ ንተኣማንነት እቲ ምስልታት ድሕሪ ምምርማሩ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

እዚ ሕታም እዚ ሓደ ኻብቲ ድሕሪ እቲ ኻብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ዝተወለዐ ወታደራዊ ጎንፂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዝርጋሕ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ ዝሓዙ ስእልታት ኢዩ። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዚግበር ውግእ ይሳተፍ ኸም ዘሎን ዘመናዊ ነፈርቲ ኸም ዝጥቀምን ክግለፅ ፀኒሑ እዩ፡ እዚ’ውን ትኹረት ዝሰሓበ ጉዳይ ኰይኑ ፀኒሑ እዩ።

ይኹን እምበር እቶም ምስሊታት ብ15 ሰነ 2017 ካብ ዝተሓትመ ናይ ዩትዩብ ቪድዮ ዝተወሰዱ እዮም። ርእሲ ናይቲ ቪድዮ "ሓይልታት ኔቶ ኽሳዕ ክንደይ እዮም ብቕልጡፍ ግብረ-መልሲ ኪህቡ ዚኽእሉ? ኣብ ሮማንያ ምስ ኔቶ ቪጄቲኤፍ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ልምምድ" ይብል። ልዕሊ 15 ሚልዮን ሰባት ውን ተዓዚበምዎ እዮም። እቲ ቪድዮ ኣብ ሩማንያ እተገብረ ናይ ኔቶ ዓመታዊ ወታደራዊ ልምምድ ወይ ስልጠና ዘርኢ እዩ።

ዋላኳ ብዙሓት ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት እንተሃለዉ እዞም ክልተ ስእሊታት ግና ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ህወሃት መጥቃዕቲ እንተካይድ ኣየርእዩን። ስለዚ’ውን እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኮይኑ ኣሎ።