May 11, 2021

እዚ ምስሊ ሓደሽቲ ቦታታት ንምሓዝ ናብ ምዕራብ ጎንደር ዝኣትዉ ዘለዉ ወታደራት ሱዳን የርኢ ዶ?

HAQCHECKFact checking

ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዞም ምስሊታት ሓደስቲ ግዝኣታት ምንቁፅፃር ናብ ምዕራብ ጎንደር ዝኣተዉ ወታደራት ሱዳን ከምዘየርእዩ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

እዚ ምስሊ ሓደሽቲ ቦታታት ንምሓዝ ናብ ምዕራብ ጎንደር ዝኣትዉ ዘለዉ ወታደራት ሱዳን የርኢ ዶ?

ብዕለት 29፡ ሚያዝያ 2013 በለሳ TV ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ገፅ (ልዕሊ 47,000 ሰዓብቲ ዘለውዎ) ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ብምልጣፍ ኣብ ቀረባ ሓደሽቲ ግዝኣታት ንምቁፅፃር ናብ ምዕራብ ሱዳን ዝምርሹ ዘለዉ ወታደራት ሱዳን ምዃኖም ይገልፅ። እቲ ብቛንቋ ትግርኛ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ “ሰራዊት ሱዳን ሎሚ ናብ ምዕራብ ጎንደር ደፊኡ ከምዝኣተወን መሬተይ ዝብሎ ሓደስቲ ቦታታት ከምዝተቆፃፀረን ማዕከናት ዜና ሱዳን ይሕብራ ኣለዋ።” ይብል። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ስእሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ቦታታት ንምቁፅፃር ዝኣተዉ ሰራዊት ሱዳን ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ጎንፂ ከምዘሎን ነዚ ስዒቡ’ውን ወጥሪ ከምዝነገሰን ይፍለጥ እዩ። ሰራዊት ሱዳን ሰላም ኣብ ክልል ገደሪፍ ብርን ማሃጅን ዝተብሃሉ ግዝኣታ ካብ ሰራዊትን ምልሻ ኢትዮጵያ ብምምዛዕ መሊሱ ከምዝተቆፃፀሮም ገሊፁ ነይሩ። እቲ ምስሕሓብ ብምቕፃሉ ግብፂ ናብ ሱዳን ወታደራት ከምዝለኣኸት ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ይወፁ ነይሮም።  ብዕለት 22 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ዑመር ቀመረዲን ኣብቲ ዶባት ዝርከቡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓረስቶት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኩሎም ግዝኣታት ሃገሩ መሊሳ ከምዝሓዘቶም ሓቢሩ ኔሩ። ሱዳንን ኢትዮጵያን ነቲ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብሰላም ንምፍታሕ ዘይተዓወተ ዝርርብን ድርድራትን ኣካይደን ነይረን። ኣብዚ ቀረባ’ውን ሱዳን በቲ ብዩናይትድ ዓረብ ኢሚሬትስ ዝቀረበ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ተቀቢላ እያ።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ እቲ ሓደስቲ ቦታታት ንምሓዝ ወታደራት ሱዳን ናብ ምዕራን ጎንደር ኣትዮም ዝብል ናይ ፌስቡክ ሕታም ዝወፀ። ይኹንደኣምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቶም ስእሊታት ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርእዩ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ፈላማይ ምስሊ ንመጀርታ ግዘ ዝተሓትመሉ ግንቦት 2006 ዓ.ም. ኣብ ሓንቲ ብቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዝተፅሓፈት ዓንቀፅ እዩ። እቲ ምስሊ ኸኣ ባንዴራ ዘንበልብሉ ወታደራት ሱዳን የርኢ። እቲ ካልኣ ምስሊ ኣብ 2009 ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ፌስቡክ ካብ ዝተፅሓፈ ሕታም ዝተወስደ እዩ። ነቲ ካልኣይ ስእሊ ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ።

እቲ ናይ ዶብ ውጥጥ ስዒቡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወጥሪን ወታደራዊ ግጭትን ወጥሪ ዓሲሉ ይርከብ። ኮይኑ ግና ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቶም ምስሊታት ሓደስቲ ግዝኣታት ምንቁፅፃር ናብ ምዕራብ ጎንደር ዝኣተዉ ወታደራት ሱዳን ከምዘየርእዩ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ኤደን ታፈሰወርቅ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።