August 17, 2021

እዞም ምስልታት መገዲ ኣዲስ ኣበባ ባህርዳር ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተዓፀወ የርኢ ዶ?

HAQCHECKFact checking

ሓቂቼክ ብሰንኪ ግጉይ ኣጠቓቕማ እቶም ምስልታት ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

እዞም ምስልታት መገዲ ኣዲስ ኣበባ ባህርዳር ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተዓፀወ የርኢ ዶ?

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ንመገዲ ኣዲስ ኣበባ ባህርዳር ኣስፋልት ከምዝዓገቶ ዚገልጽ ሽዱሽተ ስእልታት ዝሓዘ ናይ ፌስቡክ ሕታም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣስፋሕፊሑ ነይሩ። እቲ ብ13 ነሓሰ 2021 ዝወፀ ሕታም ከም ዝሕብሮ እቲ ብኩምሳ ድሪባ ወይ ጃል መሮ ዝምራሕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ነዚ መጠንቀቕታ ክህብ ከምዝፀንሐ ይሕብር።

ሓቂቼክ ነቲ ምስልታትን ነቲ ፅሑፍን መርሚሩ እቲ ስእልታት ነቲ ሓበሬታ ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ስለዚ ነቲ ሕታም ዘይቅኑዕ ምስልታት ስለእተጠቕመ ሓቂቼክ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

እቲ ንኣዲስ ኣበባን ርእሰ ኸተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህርዳርን ዘራኽብ መገዲ ኣስፋልት ካብ 13 ነሓሰ 2021 ብምኽንያት መደራጉሕ ተዓፅዩ ፀኒሑ እዩ። እቲ መገዲ በቲ ኻብ ኣኻውሕ ዝመልኦን ኣኽራን ዝበዝሖን ኣጻድፍ ዝወደቐ ፍርስራስ ተዓፅዩ ኔሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ከም ኤፍቢሲኢቢሲ ከምኡውን ኤጀንሲ ፕረስ ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ እተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝጸብጸብዎ ኣብ መንጎ እተን ከተማታት ዝግበር መጓዓዝያ መገዲ ተቋሪፁ ፀኒሑ እዩ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ እቶም ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ግብረ-ሽበራውያን ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ሓይልታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን (ሸኔ) ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብሓይሊ ንምውዳቅ ወግዓዊ ኪዳን ከምዝመስረቱ ገሊፆም እዮም። ሰሓኦ ቅድሚ ሕጂ ዕጡቕ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ግሓኦ) እዩ ነይሩ፤ ህወሓት ከኣ ካብ ሕዳር ዝሓለፈ ኣትሒዙ ምስ ፈደራላዊ ሰራዊት ይዋጋእ ኣሎ።

እቲ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ሕታም ዝተፅሓፈ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ዓመጽቲ እተገብረ ኺዳን ምስ ተነግረ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ። እቲ ሕታም እቲ መገዲ ሰሓኦ ብዝገበሮ ወታደራዊ ስርሒት ከምዝተዓፅወ ይሕብር።

ይኹን እምበር እቶም ምስቲ ፅሑፍ ዝተሓተሙ ምስልታት ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ኣየርእዩን፤ ካብ ፀብፃባት እተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ውን ዝተወስደ እዩ። እቶም ነዞም ምስልታት ዝተሓተሙሎም ናይ ፈለማ ፀብፃባት እቲ መንገዲ ካብ ኣፃድፍ ብዝወደቀ መደራጉሕ ከምዝተዓፀወ ይገልፁ።

ስለዚ ሓቂቼክ ብሰንኪ ግጉይ ኣጠቓቕማ እቶም ምስልታት ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።